ኣብ ናቕፋ፡ ዜጋታት ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ብሓፈሻ ኣብ ምክልኻል ሕማም ዓባይ ሰዓል ድማ ብፍላይ – ዘለዎም ኣፍልጦ ንምብራኽ ዝሕግዝ ኣስተምህሮ ተወዲቡ።

ኣብ ሆስፒታል ናቕፋ ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ብዛዕባ ምልክታት ሕማም ዓባይ ሰዓል፡ ዝመሓላለፈሉ ኣገባባት፡ ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ሳዕቤናቱን ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃቡ ሞያውያን፡ ምልክታት ናይ’ቲ ሕማም ብዘገምታ ስለዝንጸር፡ ግቡእ መርመራ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ሕሙማት ዝተኣዘዘሎም መድሃኒት ብስሩዕ ክወስዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ክኢላታት፡ ኣፍልጦኦም ኣብ’ቲ ሕማም ብምብራኽ፡ ናብ ካልኦት ንኸይመሓላለፍ ጥንቃቐ ክገብሩ ተላብዮም።

Categories