ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ፡ ሕክምናዊ ናብዮትን ናይ ተሃድሶ መደባትን ዝግበረለን – ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ዝመጻ ግዳያት፡ ቊጽረን ኣዝዩ ከምዝጐደለ ተሓቢሩ።

ሜዲካል ዳይረክተር መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ዶክተር ስምኦን ወልዱ፡ ቅድሚ ሕጂ ክሳብ 200 ዝበጽሕ ዝነበረ ቁጽሪ ተኣለይቲ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ 25 ወሪዱ ከምዘሎ ብምሕባር፡ መርኣያ ናይ’ቲ ብውህደት ዝግበር ዘሎ ሓያል ጐስጓሳትን ዝወሃብ ዘሎ ብቑዕ ኣገልግሎትን ከምዝዀነ ኣረዲኡ።

ዶክተር ስምኦን፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ’ተን ናብ’ቲ ማእከል ዝመጽኣ ግዳያት ፊስቱላ፡ ብዝተገብረለን መብጣሕቲ ሓውየን ናብ ንቡር ሂወተን ተመሊሰን ምርኣይ፡ እቲ ዘሕጉስ ኣካል ናይ’ቲ ተልእኾ ምዃኑ ገሊጹ።

እተን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብዝወረደን ናይ ፊስቱላ ጸገምን ሳዕቤናቱን ተነጽሎ ንኸየጋጥመን ብህዝቢ ዝግበረለን ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ፡ ኣብ’ቲ ናይ ምሕዋይን ተሃድሶን መደባት ብቐሊል ዘይጥመት ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ዶክተር ስምኦን፡ ኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰምበል ንዘበርከታኦ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ክኢላ ሕክምና ሕርስን ጥንስን ዶክተር ዳዊት ሰረቐ ብወገኑ፡ ጠንቂታት ፊስቱላ – ዕጉት ሕርሲ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ፡ ክሽቦ፡ ከምኡ’ውን ጉድለት ምክትታል ቅድምን ድሕርን ሕርሲ ከምዘጠቓልል ብምሕባር፡ ኣብ ጥዕና ግዳያትን ሓዳርን በሰላ የትርፍ ብምህላዉ፡ ብፍላይ ደቂኣንስትዮ ጥንቃቐ ከዘውትራ ተላብዩ።

ወከልቲ ኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰምበል፡ መንግስቲ ንግዳያት ፊስቱላ ዝገብሮ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ናብዮት ብምምስጋን፡ ብዓቕመን ዝገበራኦ ደገፍ፡ መንፈሳዊ ዕግበት ከምዝፈጠረለን ሓቢረን።

Categories