ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን፡ ነቲ ዛጊት ኣብ ሃገርና ዘይተኸስተ ኮሮና ቫይረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ገለ ከተማታት ሃገርና ዝርአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋታት ሃለኽቲ ብዝምልከት፡ ትማሊ ቀዳም 21 መጋቢት እዋናዊ ሓበሬታ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ሚኒስትሪ ናብ ኤሪና ኣብ ዝሰደዶ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ ዋጋታት ኣገደስቲ ሃለኽቲ ከም እኽሊ፡ ጥረታት፡ ሽኮር፡ ዘይቲ፡ ናይ ጽሬት ሃለኽቲን ካልኦትን ተራእዩ ዘሎ ምውሳኽ ዋጋታት፡ ዘይምኽኑይን ሕልና ዝጐደሎን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንመነባብሮ ህዝቢ ብኣሉታ ዝጸሉ ስጒምቲ ዶብ ክገብረሉ ወሲኑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ክፍሊ ውሽጣዊ ንግዲ ኣቶ በረኸት ተስፋይ፡ እቲ ብዘይሓላፍነታውያን ነጋዶ ዝርአ ዘሎ ተግባር – ብሕጊ ዘሕትት፣ ብስነ-ምግባር ድማ ነውሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ኣገደስቲ ሃለኽቲ ኣቚሑ ዋጋ፡ ካብ’ቲ ብ20 ለካቲት 2020 ዝነበሮ ወሲኹ ኣብ ልዕሊ ዝሸጠ፡ ኣቚሑ ክሓብእ ዝተረኽበ፡ ወይ እንከለዎ የለን ዝበለ፡ ብመሰረት ‘ኣዋጅ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ቊ.125/2002’፡ ክሳብ ምውራስ ኣቚሑን ምሕዳግ ፍቓድ ንግድን ዘጠቓልል ከቢድ ሕጋዊ ስጒምቲ ክውሰዶ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣቶ በረኸት ኣስዒቡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሕግን ስርዓትን ብመሰረት’ዚ መምርሒ እዚ ካብ ሎሚ ኣትሒዞም ስጒምቲ ክወስዱ ስለዝዀኑ፡ ተጠቃሚ ህዝቢ – ዝኾነ ዘይሕጋዊ ተግባር ነጋዶ ኣብ ዝርእየሉ ንዝምልከቶም ኣባላት ሕግን ስርዓትን ክሕብርን ምስኦም ዝገብሮ ምትሕብባር ከዛይድን ኣተሓሳሲቡ።

Categories