መበል 32 ዓመት ምድምሳስ እዚ ናደው፡ ብ18 መጋቢት ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ብልዑል ድምቀት ተዘኪሩ።

ኣብ’ቲ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ኣፍዓበትን ከባቢኣን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ካብ ካልእ ከባቢታት ዝመጹ ነጋድያንን ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኖር ረጀብ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምድምሳስ እዚ ናደው፡ ውጽኢት ናይ 10 ዓመታት መሪር ምርብራብን ጽኑዕ መኸተን ህዝብን ተጋዳላይን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዕድመ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘብቅዓሉን ናጽነት እትብሰረሉን ዕለት ርሑቕ ከምዘይኮነ ዘረጋገጸ ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ዓቢ ታሪኻዊ ዓወትን ጽንዓት ህዝብን ተጋዳላይን ብዘንጸባርቕ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት፡ ከምኡ’ውን ትረኻ ሰብ ውዕሎ ደሚቑ ምንባሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ጽምብል ዝተሳተፉ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱን ሓዳስ ኣመሓዳሪት ናይ’ቲ ዞባ ወይዘሮ ኣስመረት ኣብርሃን፡ ብህዝቢ ኣፍዓበት ህያብ ተበርኪቱሎም።

ካብ 17 ክሳብ 19 መጋቢት 1988 ዝተፈጸመ ቅያ ምድምሳስ እዚ ናደው፡ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪዱ ዝነበረ ልዕሊ 20 ሽሕ ምኲር መግዛእታዊ ሰራዊት ደርግ፡ ምስ ሶቭየታውያን ኣማኸርቱን እልቢ ዘይብሉ ኣጽዋሩን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ነበረያ-ነበረ ዝዀኑሉ ታሪኻዊ ስርሒት እዩ።

እንግሊዛዊ ጸሓፊን ናይ ታሪኽ ተመራማሪን ባዚል ዴቪድሰን፡ ንስርሒት ምድምሳስ ናደው፡ ምስ’ቲ ቬትናማውያን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈረንሳ ዓወት ዘመዝገቡሉ ናይ 1954 ኲናት “ዴንቤን-ፉ” ብምምስሳል ከምዝገለጾ ይዝከር።

Categories