ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ብኽነት ናይ ትምህርቲ ክፍለ ግዜን መጠን ምቁራጽ ተመሃሮን ኣዝዩ ከም እተመሓየሸ፡ ተሳትፎን ተወዳዳርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ዘተባብዕ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።

ብ6 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ተስፋሂወት ወልደገርግስ፡ ኣብዚ ዓመተ-ትምህርቲ’ዚ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ካብ ዘለዉ ኣስታት 20 ሽሕ ተመሃሮ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር መጠን ምሕላፍ ልዕሊ 87 ሚእታዊት ከምዝነበረ፡ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ8 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ሓቢሩ።

ጸገም ራሕቂ ኣብያተ-ትምህርቲ ንምፍታሕ፡ ምስ ህዝቢ ብምውህሃድ 2 ናይ መባእታ፡ 1 ናይ ማእከላይ ደረጃ፡ 3 ድማ ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ከምእተኸፍታን፡ ኣዝየን ሓገዝቲ ኮይነን ከም እተረኽባን ገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ኣሃዱ መሰረታዊ ትምህርቲ፡ መምህር ተወልደ ኣብርሃም፡ ንተመሃሮ 8ይን 11ን ክፍሊ ዝወሃብ ዘሎ ተወሳኺ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን መነባብሮ መማህራን ንምድጋፍ ብህዝብን ምምሕዳራትን ዝግበር ዘሎ ኣበርክቶ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ኣቶ መንግስ ዘሚኪኤል ድማ፡ ተጠቃምነት ትምህርቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንምዕባይ በቲ ሓደ፡ ዕድላት ትምህርቲ ዘይረኸቡ ዜጋታት ከይህልዉ ንምፍታሽ ድማ በቲ ካልእ፡ ህዝብን ምምሕዳርን ኣብ ጐድኒ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኮይኖም ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ትካላት ቅድመትምህርቲን መባእታን ዝርአ ሕጽረት መሰረታዊ ናውቲ ፍታሕ ክርከበሉ፡ ነዊሕ ተጓዒዞም ናይ ዝመሃሩ ዘለዉ ተመሃሮ ጸገማት ንምቅላል ተበግሶታት ክውሰድ ተላብዮም።

Categories