ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኩወይት ኣቶ ሑመድ ያሕያ ሓሊ፡ ምስ ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳይ ኣፍሪቃ – ኣምባሳደር ዓብደልሓሚድ ኣል-ፊልካዊ ተራኺቡ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታት ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ብ12 ለካቲት ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣቶ ሑመድ ሓሊ፡ ዝምድና ኤርትራን ኩወይትን ዝያዳ ንምድንፋዕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፡ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣቶ ሑመድ ኣስዒቡ፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ንኽህሉ፡ ምቕሉል እጃማ ተበርክት ከምዘላ ምስናይ ገስጋሱ ሓቢሩ።

ኣቶ ዓብደልሓሚድ ኣል-ፊልካዊ ብወገኑ፡ ዝምድና ኩወይትን ኤርትራን ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝጅምር ታሪኻዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ናብ ዝበረኸ ንኽድይብ ዘሎ ድሌትን ድልውነትን ሃገሩ ኣረጋጊጹ።

Categories