መደባት ፖሊስ ብዘይ ናይ ህዝቢ ምትሕብባር ክዕወት ስለዘይክእል፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሸኻይቶ – ዓሰብ ምትሕብባሮም ምስ ፖሊስ ከሐይሉ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣዛዚ 3ይ መደበር ፖሊስ ዓሰብ ምክትል ተለንተ ክፍለየሱስ ኢሳቕ፡ ምስ ነበርቲ ሸኻይቶ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ፖሊስ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢን ከባብን ንምሕላው ዝቘመ ሓይሊ ምዃኑን፡ ምትሕብባር ህዝቢ ኣብ ኣድማዕነት ስራሑ ወሳኒ ከምዝኾነን ኣረዲኡ።

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ዞባ፡ ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ጢዖ – ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ናጽላታትን ህጻናትን ጀሚሩ።

እዚ ዝተኣታተወ ሕክምና፡ ኣድማዒ ኣገልግሎት ክህልዎ ድማ፡ ንኣባላት’ቲ ኮማዊ ሆስፒታል ስልጠና ተዋሂቡ።

ሓኪም ህጻናት ዶክተር ሳምሶም ኣባይ፡ እቲ ኣገልግሎት፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዘለዋ ትካላት ጥዕና ዘድሊ ናውቲ ዓጢቐን ብቑዕን ዝተማልአን ኣገልግሎት ከምዝህባ ንምግባር – ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories