ኣብ ቀላይ-በዓልቴት – ንኡስ ዞባ ማይዓይኒ፡ 40 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከባኦም 124 ዜጋታት፡ መሬት ጤሳ ተዓዲሉ።

ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ኣቶ ኣሕመድ ዑስማን፡ እቶም ዜጋታት ብመሰረት ዘቕረብዎ ሕቶ ሃገራዊ ግቡኦምን ግቡእ ቅጥዕታትን ስለዘማልኡ፡ ግቡእ ቅየሳ ኣብ ዝተገብረሉ መሬት ከምእተዓደሉ ጠቒሱ፡ ግቡኦም ኣማሊኦም ግን ድማ ገና ዘይተዓደሉ ዜጋታት ከኣ ኣብ መጻኢ ክዕደሉ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣቶ ርእሶም ገብረሃዋርያት፡ ኣማሓደርቲ ከባቢ ንዘሎ ብዝሒ ጠለብ መሬት ጤሳ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ምጽራይ ሰነዳት ሓተትቲ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኪወስዱ ኣዘኻኺሩ።

ቀላይ-በዓልቴት፡ ልዕሊ 2200 ተቐማጦ ዘለውዋ – ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ዓድታት ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ እያ።

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ከባቢ፡ 72 ዝኣባላቱ ማሕበር ተራድኦ ናይ ጸባ ከብቲ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጽቡቕ ንጥፈታት ከምዝነበሮ ድሕሪ ምግምጋም፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ዝያዳ ንምሕያሉ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ብልጫታትን ድኻማትን፡ ዓቕሚ ኣባላት ንምምዕባል ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ከምኡ’ውን ኣታዊን ወጻኢን ብዝርዝር ቀሪቡን ክትዕ ተኻዪዱሉን።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ እንስሳ ዞባ ደቡብ ዶክተር ዑቕባዝጊ ክፍለ፡ ማሕበር ዝነበሮ ሕጽረታት ሰጊሩ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ምብጽሑ ዘተባብዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣባላት ብውህደት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ማሕበር ተራድኦ ናይ ጸባ ከብቲ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ 318 ከብቲ ኣለዋኦ።

Categories