ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ብ7 ለካቲት ንማዕከናት ውሽጢ ሃገር ዝሃቦ ኣብ ዞባዊ ምዕባለታትን ጽልዋኡን ዘተኰረ እዋናዊ ቃለ-መሕትት፡ ብ9 ለካቲት እውን ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት መብርሂ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ካልኣይ ክፋል ቃለ-መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኩነታት ደሞዝ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ወፍሪን ካልእን መሊሱ።

ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ዝምልከት፡ ካብ ድሕሪ ሓርነት ጀሚሩ ንነዊሕ ዝኸደ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ – ብመንጽር ክብሪ ዋጋ መነባብሮ፡ ስማዊ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ስለዘይክእል ምስ ምቕያር ሓድሽ ባጤራ፡ ስርዓተ-ደሞዝ መድረኽ ብመድረኽ ክመሓየሽ ከምእተወሰነ፣ ንኹሉ መምዘኒ ረቛሒታት ዘማልእ ስርዓተ-ደሞዝ ናይ መወዳእታ መልክዑ ክሳብ ዝሕዝ ከኣ፡ በቲ ዝተሓተ ንምጅማር፡ ካብ 1800 ክሳብ 4000 ዝዝርጋሕ 5 መሳልል ዘለዎ መበገሲ ደሞዝ ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ሰራዊትን ከምዝተኣታተወ ኣረዲኡ።

እዚ እውን እንተኾነ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ 3 ገጽ 4 ገጽ 6 ገጽ 8 ገጽ 9 ቃለ-መሕትት ቃለመሕትት ዳግማይ ተፈጢረ ቃለመሕትት ታሕተዋይ መሳልል ናይ ትግባረ ሃጓፋት ከምዝጸንሖ ብምሕባር፡ ኣብ 2020 ምስትኽኻል ክግበረሉ ምዃኑ ኣገንዚቡ። እቲ ምስትኽኻል፡ ካብ 2018 ጀሚሩ ከምዝተግበር ተሓሲቡ፡ ውህሉል ክፍሊት እውን ክወሃብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መዓርግ፡ ተሞኩሮ ስራሕን ካልእን ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ መወዳእታ ቅርጺ ስርዓተ ደሞዝ መጽናዕቲ ክግበረሉ ምጽንሑን፡ ኩነታት ኣፍራይነትን ዕብየት ቁጠባን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ቀጻሊ ክትግበር ምዃኑን ሓቢሩ።

ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንምፍታሑ ብውሽጣዊ ዓቕምን ናይ ደገ ኩባንያታትን ከምእተፈተነ፣ ዝተጀመረ ግን ከኣ ዘይተወድአ መደባት ምህላዉን ጠንቁ ንምፍላጥ ዝተገብረ ዳህሳስ ከምዘሎን ገሊጹ።

ካብ መፋርቕ 2020 ክሳብ 2021 ብውሽጣውን ዞባዊ ምትሕብባርን ዝጅምሩ መደባት ብምንጻር ከኣ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ክዉን ንምግባሮም ሰብኣዊ ዓቕሚ፡ ጥረነገራትን ማሽነሪታትን ምርግጋጽ ወሳኒ ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories