ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ ቀዳም 8 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፡ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ጥዋለት ኣኽሊል ዕንበባ ኣንቢሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ኣደ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ እውን፡ ብተመሳሳሊ ዕንበባ ኣንቢሮም።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድማ፡ እቲ ዝኽሪ “ፈንቅል ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ ስነ-ስርዓት፡ ወግዓዊ ጽምብል ተገይሩሉ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ሃገራዊ በዓላትና እናሻዕ እናደመቑ ዝበዓሉ ንስለ በዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ተዘክሮታትና ብምሕዳስ ዝዓየናዮን ዝተርፈናን እንግምግመሎም ምዕራፋት ምዃኖም ብምሕባር፡ “ብሓያል ጽንዓትን መኸተን ዝተረኽበ ሰላም ንምዕቃብን ንምድልዳልን፡ ኩሉ ኣድህቦና ኣብ ልምዓት ሃገር ክንገብር ዝድርኽ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እውን ዓቢ ዕድል ዝህብ እዩ” ኢሉ።

ኣደ-መንበር ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ናይ’ቲ ዞባ ወይዘሮ ዘይነብ ዑመር ብወገና፡ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ናይ ሰላምን ርግኣትን ሃዋህው በቲ ሓደ፡ ልምዓታዊ ንጥፈታትና ፍረ ኣብ ዝህበሉ ዘለና እዋን ድማ በቲ ካልእ – ይበዓል ምህላዉ፡ ዕዙዝን ኣገዳስን ከምዝገብሮ ብምጥቃስ፡ ነዚ ረዚን ዝኽሪ ንምምዕራግ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ኣመስጊና።

እቲ ጽምብል፡ ንዝተፈጸመ ቅያ ጅግንነት ብዘንጸባርቕን ናይ መጻኢ ዕማማት ብዝእምትን ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ። ብስፖርታዊ ውድድራት፡ ምርኢት ኤግዚብሽንን ስነ-ጥበባዊ መደባትን ድማ ቀጺሉ ክውዕል እዩ።

Categories