ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝቖመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ6 ለካቲት ምስ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ተራኺቡ ተመያዪጡ።

ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣውን ዞባውን ዝምድናታት፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ምዕባለታት ዝሓዘ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ – ናብ ኣቦመንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ኣብጺሑ።

ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኤርትራን ሱዳንን ክልተኣዊ ዝምድናአን ንምምዕባል ከምኡ’ውን ዞባዊ ውህደት ንምርግጋጽ ዘካይዳኦ ዘለዋ ጻዕሪ ብምምጓስ፡ ብዝያዳ ንምሕያሉ እቲ ጻዕርታት ቀጻሊ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ምክትል ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎን ተራኺቡ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታት ዘትዩ።

Categories