ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል፡ “ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻ፡ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ምልላይ፡ ምዕቃብን ምውርራስን ባህላዊ ውርሻታት፡ ብ3ን 4ን ታሕሳስ ዓውደ-መጽናዕቲ ወዲቡ።

ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣብ ዝተኻየደ ዓውደመጽናዕቲ፡ ዋና ደይረክተር ናይ’ቲ ክፍሊ ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም፡ ኣብ ኣምር ባህሊ ኣኹል ኣፍልጦ እንተደኣ ኣሎ፡ ዝጭበጥ ይኹን ዘይጭበጥ ውርሻታት ንምስናድን ንምዕቃብን ከምኡ’ውን ናብ መጻኢ ወለዶ ንምስግጋሩ ዘሎ ተኽእሎ ርሒብ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምብራኽ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ድማ ጸዊዑ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ንረቂቕ ባህላዊ ውርሻ፡ ባህላዊ ውርሻን መንነትን፡ ኣፋዊ ያታ፡ ቅርሲታት፡ ሰነዳዊ ውርሻን ዝኣመሰሉን ዝሓዘ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡ። ኣብቲ ወረቓቕቲ፡ ተራ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻን ምስግጋር ናብ ዝቕጽል ወለዶታትን ንምዕዛዝ ክትግበሩ ብዛዕባ ዘለዎም ስራሓት ብሰፊሑ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ንከም’ዚ ዝኣመሰለ ዛዕባ ዓውደመጽናዕቲ፡ ኣገዳስነቱ ልዑል ብምዃኑ፡ በብደረጃኡ ቀጻልነት ክህልዎን ተተግበርቲ መደባት ክሰኣሉን ተላብዩ።

Categories