ኤርትራ፡ ኣብ መበል 17 ዋዕላ ሚኒስተራት ኣከባቢ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትሳተፍ እንከላ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ቦሎኛ፡ ርያድ፡ ስያትልን ኦክላንድን ድማ፡ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ካብ 14 ክሳብ 15 ሕዳር ኣብ ደርባን – ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ዋዕላ ሚኒስተራት ኣከባቢ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመርን፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶምን፡ ንመርገጺ ኤርትራ ዘነጽር መደረታት ኣቕሪቦም።

ኣምባሳደር ሳልሕ፡ ኣብ ኤርትራ – ሓረስቶት ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምግራብን ልዑል ኣቓልቦ ሂቦም ከምዝሰርሑሉ፡ እቶትን እቶታውነትን ንምኽዕባትን ተጠቃምነት ተተካኢ ጸዓት ንምስፋሕን እውን መንግስቲ ዓቢ ቈላሕታ ሂቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣምባሳደረ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም እውን፡ ኣብ ኬንያ ንዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት (UNEP)ን ወኪሉ ቃል ኣስሚዑ።

ኣብ ካልእ ንጥፈታት፡ ዓመታዊ ኣኼባ ቦርድ ኣካየድቲ ኣካላት ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ፡ ካብ 22 ክሳብ 24 ሕዳር ኣብ ከተማ ቦሎኛ – ኢጣልያ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ጻውዒት ሃገር ብተወፋይነት ዝሰርሓን ዝተቓለሳን ምዃነን – እዚ እናተወራረሰ ንክኸይድ ከኣ፡ ኣብ ምውርራስ ዘድሃበ ጻዕረን ክቕጽላ ተላብዩ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን – ስዑዲ-ዓረብ፡ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ፡ ብ24 ሕዳር ብክብ ዝበለ ማዕርግ ኣካዪዶም።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ኣብ ዝሃበቶ ሰሚናር፡ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ህዝባዊ ግንባር ብዘርሓዎ ዕድላት፡ መሰላ ኣረጋጊጻ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ መደባት ምዕሩይ ሱታፌኣ ከምዘረጋገጸት ኣረዲኣ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሰሜናዊ ምዕራብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብተመሳሳሊ፡ ብ23 ሕዳር ኣብ ከተማ ስያትል ኣብዒሎም።

ሓለፍቲ ሃማደኤ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበራኦ መደረታት፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር፡ ቃልሰን ናህሩ ወሲኹ ከምዝቕጽል ኣረጋጊጸን።

ኣብ በይኤርያ – ኦክላንድ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እውን፡ ሓለፍቲ ሃማደኤ – ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ብኣበርክቶኣን ተወፋይነታን ብኣብነት እትጥቀስ ጅግና ምዃና ገሊጸን።

Categories