ብምኽንያት ዝኽሪ 40 ዓመት ምምስራት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ንተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ምውሓስ ልኡላውነትን ህንጸት ሃገርን ዘንጸባርቕ ካርኒቫል ብ27 ሕዳር ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ቀሪቡ።

እቲ “ዮሃና – ነታ ሽግ ናጽነትን ትእምርቲ ማዕርነትን ዘድመቐት ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ” ብዝብል ቴማ፡ ካብ ከባቢ ሽዳ ብባንድ ምረሻ ተመሪሑ ክሳብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝበጽሐ ካርኒቫል፡ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብርኣብን ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን እዮም ኣበጊሶምዎ።

ትሕዝቶ ካርኒቫል ብቐንዱ፡ ንሞያን ኣበርክቶን ኣብ ሚኒስትሪታት፡ ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን፡ ኩባንያታትን ምምሕዳራትን ዝነጥፋ ደቂ-ኣንስትዮ ዝገልጽ ነይሩ።

ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቃል ዘስመዐት ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ማእከል ወይዘሮ ኣለም በላይ፡ ጉዕዞ 40 ዓመት ሃማደኤ፡ ዝያዳ ኩሉ ሓይሊ ጥምረትን ውዳበን ከምዘጉልሐ፡ ሃማደኤ – ዝተበገሰሉ ዕላማን ዝተነብረሉ እምነትን ብግብሪ ንምትርጓም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ደቂ-ኣንስትዮ ብምንቃሕን ብምውዳብን፡ ኪንዮ ክልሰ-ሓሳብ፡ ኣባላቱ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ መደባት ተሳቲፈን ንመሰላተንን ማዕርነተንን ክቃለሳ ሓይልን ድርኺትን ከምዝፈጠረ ኣገንዚባ።

ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሕግታትን ፖሊሲታትን ሰፊሩ ንዘሎ ማዕረ መሰልን ዕድልን ብግብሪ ክጥቀማሉ፡ ተወዳዳሪ ዓቕሚን ብቕዓትን ናይ ምድላብ ዕማም ድማ፡ ሕጂ እውን ገና ኣበርቲዕካ ክስራሓሉ ከምዘድሊ ኣገንዚባ።

Categories