ኣብ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራ፡ ደቀምሓረ፡ ዓዲ-ቐይሕን ወግረተት – ንኡስ ዞባ ሽዕብን፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ዝተሰላሰለ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ዝሓሸ ውጽኢት ከምዝሃበ፡ ሎምቅነ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማት ተገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ ዞባ ደቡብ መምህር በላይ ኑርሕሼን፡ ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓሸ ስራሕ ከምእተተግበረ ሓቢሩ።

ኣብ 13 ነቑጣታት ትምህርቲ ንዓበይቲ ካብ ዝተመዝገቡ 353 ተመሃሮ፡ እቶም 319 ትምህርቶም ብግቡእ ከምዝዛዘሙ ዝሓበረ ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ መምህር ኤፍሬም ኣስፍሃ ብወገኑ፡ ብቑጽሪ ተሳተፍትን ውጽኢትን ዝንኣድ ምንባሩ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ብተመሳሳሊ፡ ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ መምህር ኣብርሃም ያቆብ፡ 80 ሚእታዊት ካብቶም ዝተመዝገቡ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ከምዝሓለፉ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣብ 28 ነቝጣታት ዕዉት መደባት ከምእተሰላሰለ፡ ካብ’ቶም ዝተመዝገቡ ዜጋታት፡ እቶም ልዕሊ 85 ሚእታዊት ትምህርቶም ብግቡእ ከምዝዛዘሙ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ፡ ኣብ’ዚ ዓመተትምህርቲ ዝተመዝገበ ውጽኢት፡ ፍረ ውሁድ ስራሕ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ንዝያዳ ኣድማዕነት ኣመሓደርቲ ከባቢ ብተወፋይነት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ወግሬተት – ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ንሳልሳይ ግዜኡ ከምእተሰላሰለ፡ ተሳታፍነት ደቂተባዕትዮ ከምቲ ዝድለ ብዘይ ምህላዉ ግን፡ ጌና ጻዕሪ ከምዘድሊ፡ ሓላፊ ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ሙሳ ኣደም ሓቢሩ።

ካብ ትምህርቲ ዝረሓቑ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 9 ክሳብ 14 ብርክት ዝበሉ ቆልዑ ስለዘለዉ፡ ወለዲ ጥቕሚ ትምህርቲ ተገንዚቦም ደቆም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክልእኹ ድማ ተላብዩ።

Categories