ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ነበርቲ ዓዲ-ጉዕቦ – ገንዘቦምን ጉልቦቶምን ኣዋሃሂዶም ብ2.5 ሚልዮን ናቕፋ ዝሃነጽዋ ናይ መባእታ ቤትትምህርቲ፡ ብ21 ሕዳር ተመሪቓ።

እዛ ብተበግሶ ህዝቢ ዝተሰርሐት ቤትትምህርቲ፡ ኣርባዕተ መምሃሪ ክፍልታት፡ ሓደ መኽዘንን ሓደ ቤት-ጽሕፈትን ዝሓዘት እያ።

ኣብ ስነ-ስርዓት መመረቕታ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት፡ ነበርቲ – ዝጸንሖም ሕጽረት ንምምላእ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ሞጒሱ።

ካብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ መምህር ገረዝግሄር ተወልደ ድማ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብሰንኪ ሓዲግ ኣደዃዂና ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝርሕቁን ትምህርቶም ዘቋርጹን ቈልዑ ከምዘለዉ ብምዝካር፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ንከምኡ ዝኣመሰለ ጸገም ከምእተቃልል ኣረዲኡ።

ነበርቲ ዓዲ-ጉዕቦ ቅድሚ ሕጂ እውን፡ ብ1.5 ሚልዮን ናቕፋ – ራህያ ብምስራሕ፡ ዝነበሮም ሕጽረት ማይ ፈቲሖም እዮም።

ዓዲ-ጉዕቦ፡ ካብ ከተማ መንደፈራ ኣስታት 13 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ትርከብ።

Categories