ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት፡ ኣብ ምክልኻል ገበናትን ሓደጋታትን ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ተለንተ እዮብ ተስፋዝጊ፡ ተመሃሮ ጐድኒ-ጐድኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቶም፡ ኣብ ሕጊ እውን ኣፍልጦ ቀሲሞም – ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ከባቢኦም ተራኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ካብ ወልፍታት ርሒቖምን ብጸቕጢ መዘና ከይተጸልዉን፡ ግዜኦም ብግቡእ ክሰርዑ ዘዘኻኸረ ተለንተ እዮብ፡ ተመሃሮ ፍረኖን መብራህትን ዘይብለን ብሽክሌታ ከይጥቀሙ ኣተሓሳሲቡ።

Categories