ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺን ምዕዳል ቫይታሚን ‘ኤ’ን፡ ትማሊ 15 ሕዳር፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ወከልቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ካልኦት መሻርኽትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ብወግዒ ተበጊሱ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ካብ’ቶም ሚኒስትሪ ጥዕና ብኣድማዕነት ዝሰርሓሎም ንጥፈታት ሓደ – መደብ ክታበት ምዃኑ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ጸረሕማማት ፖልዮ፡ ዓባይ-ሰዓል፡ ትኽትኽታ፡ ቫይረስ ሮታን ካልኦትን 12 ዓይነታት ክታበታት ብስሩዕ ይወሃብ ከምዘሎ ገሊጻ። ነዚ ንምዕዋት ብደረጃ ሃገር፡ 285 ቀወምትን 385 ተንቀሳቐስትን ነቑጣታት ደኲኑ ከም ዝሰርሕ ድማ ሓቢራ።

“ሸፈነ ክታበት ጸረ 10 ሕማማት፡ ልዕሊ 95 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ። ክልተ ሕማማት ድማ ምሉእ ብምሉእ ክንቈጻጸሮም ክኢልና ኣሎና።” ዝበለት ሚኒስተር ኣሚና፡ በዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ወፍሪ፡ 70 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሽፍኑ – ካብ ሓደ ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድመኦም ዜጋታት ክታበት፡ ካብ 6 ክሳብ 59 ኣዋርሕ ንዝዕድመኦም ቈልዑ ድማ፡ ቫይታሚን ‘ኤ’ ክወሃብ ምዃኑ ሓቢራ።

ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ፡ ሚስተር ማርቲንስ ኦቭበርጆ፡ ኤርትራ ኣብ’ቲ 450 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዎ፡ ካብ ሰኔጋል ክሳብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዝርጋሕ – ብሕማም ኣንቅጺ ዝጥቃዕ ቅናት ስለእትርከብ፡ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣረዲኡ። ኤርትራ፡ በዚ ገይራቶ ዘላ ጽፉፍ ምድላዋት፡ ነቲ መደብ ብዓወት ከም እትዛዝሞ ድማ፡ እምነቱ ገሊጹ።

ወኪል ‘ዩኒሰፍ’ ኣብ ኤርትራ ሚስ ሻሂን ኒሎፈር ብወገና፡ ውድቦም ነዚ ኤርትራ ኣበጊሳቶ ዘላ ሃገራዊ ወፍሪ ንምዕዋት ምትሕብባሩ ከምዘዕዝዝ ኣረጋጊጻ።

እዚ ሃገራዊ ወፍሪ፡ ጂኦግራፍያዊ ዝርጋሐን ክሊማን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መደብ ትግባረኡ ኣብ ክልተ ገጻት ዝተኸፍለ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ገጽ፡ ካብ 15 ክሳብ 30 ሕዳር ኣብ ዞባታት ማእከልን ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕርን፣ ካብ 15 ክሳብ 30 ታሕሳስ ድማ፡ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ክካየድ እዩ።

Categories