ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር፡ ምስ ኣህጉራዊ ኣብያተ-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተርን ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ማሕበር ኣብያተ-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝን ብምትሕብባር፡ ኣብ ኣጸሓሕፋ ንጹርነት ዘለዎ ጸብጻብ ኦዲት፡ ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ወዲቡ።

እቲ ኣብ ሆቴል ኣስመራ-ፓላስ፡ ን38 ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና፡ ጸብጻብ ኦዲት ሓጺርን ንምርዳኡ ቀሊል ብዝኾነ ኣገባብ ንምቕራቡን ዝዓለመ ምዃኑ፡ ብ11 ሕዳር ኣብ ዝተገብረ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ተሓቢሩ።

ጠቕላሊ ኦዲተር ኣቶ ገብረዝጊኣብሄር ገብረመድህን፡ እቲ ስልጠና ኣገዳስነቱ – ኣብ ምትሕልላፍ ሓበሬታን ጸብጻባት ኦዲትን ንጹርነት ክህሉ ዝሕግዝ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ኣሰራርሓኦም ዝነበረ ጸገማት ኣብ ምቅላል ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ገሊጹ።

እቲ ክሳብ ጽባሕ 15 ሕዳር ዝቕጽል ስልጠና፡ ሓፈሻዊ መእተዊ ንኣድማዒ ኣጸሓሕፋ ጸብጻብ፡ ምትሕልላፍ ሓበሬታን ምብህሃልን ንጽፉፍ ውጽኢት፡ ተራ ኣጸሓሕፋ ኣብ መስርሕ ኦዲት፡ ምምሕያሽ ሜላታት ተነባብነት ኣጸሓሕፋ፡ ኣሰራርዓ ሓበሬታ ከከም ቀዳምነቱ፡ ናይ ኦዲት ውጥን፡ ኣጸማሙቓ ጸብጻባት ዝብልን ካልእን የጠቓልል።

 

Categories