ሓረስቶት 8 ዓድታት ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ኣብ 176 ሄክታር ዝዘርእዎ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ፡ ምስ ዝነበረ ህጡር ክራማት ዕጽፊ እቶት ከምዝረኸቡሉ ገሊጾም።

ሓላፊ ልምዓት ብቚሊ ዞባ ደቡብ ኣቶ ተኽሉ በራኺ፡ ሓረስቶት – ባህርያዊ ድዅዒ ምጥቃሞም ከምኡ’ውን ማይን ሓመድን ብዝግባእ ምዕቃቦም እውን፡ ኣብ ውጽኢት እቶት ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ሓቢሩ።

ምቅይያር ኣዝርእቲ እውን ኣብ ሕርሻዊ እቶት ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣቶ ተኽሉ፡ ሓረስቶት ምስ ክኢላታት ሕርሻ ዝገብሩዎ ምምኽኻር ክደፍኡሉ ተላብዩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣቶ መንግስትኣብ ጠዓመ፡ ጌና ኣብ ግራውቲ ዘሎ ምሩጹ ዘርኢ ስርናይ ‘ኣቲላ’ን ‘ሲድራ’ን እውን፡ ጽቡቕ ፈርዩ ምህላዉ ብምሕባር፡ እተን ዘየተኣታተውኦ ዘለዋ ዓድታት ክጥቀማሉ መኺሩ።

Categories