ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ 2025 ሕማም ቢልሃርዝያ ካብ ኤርትራ ንምጥፋእ ኣድማዒ ንጥፈታት የሰላስል ከምዘሎ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ምቁጽጻር ‘ኣድህቦ ዝጎደሎም ትሮፒካዊ ሕማማት’ ኣቶ ምሕረትኣብ ኣብረሃ ገሊጹ።

ኣቶ ምሕረትኣብ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2015 ኣብ 58 ንኡሳን ዞባታት ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ማይዓይኒ፡ ደቀምሓረ፡ ዓዲ-ዃላ፡ ድባርዋ፡ ሰገነይቲ፡ መንደፈራ፡ እምኒ-ሓይሊ፡ ሰንዓፈ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ማይ-ምነ፡ ጸሮናን ዓረዛን – ዞባ ደቡብ፣ ዓዲ-ተከሌዛንን ሓልሓልን – ዞባ ዓንሰባ፣ ሞልቊ፡ ፎርቶሳዋ፡ ሃይኮታ፡ ጎልጅን ሎጎ-ዓንሰባን – ዞባ ጋሽ-ባርካ፣ ሽዕብ፡ ጊንዳዕ፡ ባጽዕን ፎሮን – ዞባ ሰሜናዊ ቅይሕ ባሕሪ፣ በሪኽ፡ ሰረጀቓ፡ ጋላ-ነፍሒ፡ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምብራቕን ኣስመራ ድማ ኣብ ዞባ ማእከል – ሕማም ቢልሃርዝያ ከምእተረኽበ ሓቢሩ።

ክልተ ዓይነት ሕማም ቢልሃርዝያ ከምዘለዉ፡ እቲ ሓደ ኣብ 27 ንኡሳን ዞባታት ዝርአን ንመናድቕ መዓናጡን ሰራውርን፡ ከምኡ’ውን ጸላም ከብዲ ዘጥቅዕ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኦምሓጀር – ንኡስ ዞባ ጎልጅ ዝተራእየን፡ ንፍሕኛን ኵሊትን ዘጥቅዕን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብቐልቀልን ሽንትን ኣቢሉ ናብ ማያት ብምሕዋስ፡ ብመንገዲ ኣረነ ናብ ውሽጢ ቈርበት ወዲ-ሰብ ብምእታው ከምዘጥቅዕ ዝገለጸ ኣቶ ምሕረትኣብ፡ ቅርጸት፡ ደም ዘለዎ ውጽኣትን ሽንትን፡ ድኻም ሰብነት፡ ቁሪቁሪ፡ ረሃጽ፡ ሰሓ ቈርበትን ክሳብ መንሽሮ ዘስዕብ ቃንዛ ፍሕኛን ምልክታት ከምዘለዎ፡ ኣብ ገለ ድማ ዝኾነ ምልክት ከምዘይብሉ ኣብሪሁ።

ቢልሃርዝያ፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ክታበት ከምዘይተማህዘሉ ብምሕባር ድማ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ነዚ ጠንቂ ናይ ስንክልና፡ ሞትን ካልእ ሳዕቤናትን ዝኾነ ሕማም ንምክልኻልን ንምጥፋእን፡ ምዕዳል መድሃኒት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲን ኮማትን፡ ምብራኽ ኣፍልጦ ሕብረተሰብን ሰብ-ሞያ ጥዕናን፡ ምትእትታው ዓይኒ-ምድሪ፡ ምቁጽጻርን ምጥፋእን ሓሰኻ ኣረነ ዘጠቓልሉ ስትራተጂታት ኣውጺኡ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ 5 ዓመት ገምጋም፡ ኣብተን ልዑል መጠን መልከፍቲ ቢልሃርዝያ ዝተራእየለን ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ መጽናዕቲ ከካይድ ምዃኑ ብምሕባር፡ እዚ ሕማም’ዚ ማያት ኣብ ዝርከበሉ ከባቢታት ስለዝመሓላለፍ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣብ ዘይፈልጦ ከባቢታት ካብ ምሕምባስ ክቑጠብ ተላብዩ።

Categories