ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ጽጉማት ብሓፈሻ ስድራ-ስዉኣት ድማ ብፍላይ ንምሕጋዝ ዝወጸ መደብ፡ ካብ 21 ጥቅምቲ ጀሚሩ ወፈራታት ምእካብ ዘራእቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ’ቲ ወፈራ፡ ነበርቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ተመሃሮን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ምእካብ፡ ብዝያዳ ንጣፍ፡ ስገምን ስርናይን ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ከምዘሎ ወደብቲ ናይ’ቲ ስራሕ ገሊጾም።

ሎሚ ዓመት ብዝነበረ ህጡር ክራማት፡ ኩነታት ዘራእቲ ኣብ ደሓን ከምዘሎ ዝሓበረ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ሃብትሽ ተኽለብርሃን፡ 7300 ሄክታር መሸላ፡ 3700 ሄክታር ጣፍ፡ 2700 ሄክታር ዳጉሻ፡ 360 ሄክታር ስገም፡ 240 ሄክታር ዕፉን፡ 200 ሄክታር ጥረታት፡ 180 ሄክታር ስርናይ፡ ኣስታት 65 ሄክታር እንጣጢዕ – ብድምር ኣስታት 15 ሽሕ ሄክታር ከምእተዘርአ ገሊጹ።

Categories