ተሳተፍቲ ኣኼባ በይነ-መንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብ-መዚን ክኢላታትን ቊጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ-ንምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣጋጣሚ እዋናውን ኣገዳስን ምዃኑ ገሊጾም።

እቶም ኤሪና ዝተወከሰቶም ተሳተፍቲ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ኣኼባ፡ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎአን ንዘሎ ፍልልያት ኣጽቢበንን ዓቕምታተን ኣወሃሂደንን ቊጠባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ምዃኑ ብምሕባር፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ነውጽን ውግእን ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ ነቲ ክብጻሕ ተደልዩ ዘሎ ሽቶ ንምውቃዕ፡ ተወሃሂድካ ምስራሕ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኤርትራ ኣአንጋዲት ናይ’ዚ ንፈለማ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ክትከውን ምብቃዓ፡ ሓቀኛ ምስላን ብውሽጣዊ ዓቕማ ተሰላስሎ ዘላ ናይ ልምዓት መደባትን ከተንጸባርቕ ከምዘኽኣላ፡ ተመኵሮኣ እውን ዘካፈለትሉ መድረኽ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ’ዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ኣኼባ፡ ሃገራዊ፡ ዞባውን ዓለማውን ኣጀንዳታት ብምትዕርራይ – ዘላቒ ምዕባለ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምርግጋጽ ዝሕግዙ፡ ዝተፈላለዩ ወረቓቕቲ ቀሪቦም ምይይጥ ተገይሩሎም።

Categories