ኣብ ከተማታት ሙንሸንን ኮርብን – ጀርመን፣ ካሊፎርንያን ኮሎራዶን – ኣመሪካ፣ ቦሎኛን ሚላኖን – ኢጣልያ፣ ፓሪስ – ፈረንሳ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን – ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ በብውዳበታቶም ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘትዮም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሙንሸንን ከባቢኣን፡ ብ26 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዱዎ ጽምብል መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃ.ማ.ደ.ኤ፡ ኣደ-መንበር ማሕበር ኣብታ ከተማ ወይዘሮ ኣስቴር ፍቓዱ፡ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡ ብግብራዊ ስራሕ ዘረጋገጸቶ ተሳታፍነታ – ብትምህርትን ሞያን ኣብ እትድራዓሉ መድረኽ ተኣትዩ ከምዘሎ ገሊጻ።

ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ፡ ኦረንጅ ካውንቲ፡ ሳንበርናርዲኖ፡ ሳንድዬጎ፡ ፎኒክስ፡ ኣሪዞና፡ ላስቬጋስን ደንቨርን ዝነብሩ ኤርትራውያን እውን፡ ብ2 ሕዳር ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ ተመሳሳሊ ጽምብል ኣካዪዶም።

ኣደ-መናብር ማሕበራት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣመሪካን ሰሜን ኣመሪካን፡ ቃልሲ ሃማደኤ ንምሉእ ኣግእዞ ዝምስገን ገስጋስ የመዝግብ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንዝያዳ ኣድማዕነቱ፡ ተሳትፎ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ክዓዝዝ ጸዊዐን።

ኣብ ኢጣልያ ድማ፡ ኣካየድቲ ኣካላት ሃ.ማ.ደ.ኤ፡ ብ2ን 3ን ሕዳር ኣብ ከተማ ቦሎኛ መንፈቓዊ ገምጋም ኣካዪደን።

ካብ ከተማታት ሚላኖ፡ ብረሻ፡ ፓርማ፡ ቦሎኛ፡ ፒዛ፡ ፒስቶያ፡ ሮማ፡ ናፖሊ፡ ባሪ፡ ተራሞ፡ ፐስካራን ካታንያን ዝመጻ ኣካየድቲ ኣካላት ኣብ ዝተሳተፋኦ ኣኼባ፡ ዝተሰላሰሉ ንጥፈታትን ጽምብል መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ንምድማቕ ዝተኻየዱ መደባትን ዝሓዘ ጸብጻብ ቀሪቡን ተዘትዩሉን። ናይ መጻኢ መደባት ድማ ሓንጺጸን።

መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሚላኖን ቦሎኛን ብወገኖም፡ ብ2ን 3ን ሕዳር ዓመታዊ ጉባኤኦም ኣቃኒዖም። ሓደስቲ ኣካየድቲ ኣካላት ድማ ተመሪጸን።

ብኻልእ ወገን፡ ካብ ሸውዓተ ከተማታት ደቡብ ጀርመን ዝመጹ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ብ2 ሕዳር ኣብ ከተማ ኮርብ ዓመታዊ ኣኼባኦም ኣቃኒዖም።

ሓለፍቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ኣባላት ህግደፍ ብልጫታቶምን ድኻማቶምን ብዝግባእ ገምጊሞም፡ ነዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝበቅዕ ምንቅስቓስ ከካይዱ ከምዝግባእ ኣዘኻኪሮም።

ኣብ 18 ከተማታት ሽወደን ዝርከቡ መንእሰያት ኣባላት ህግደፍ ብወገኖም፡ ካብ 1 ክሳብ 3 ሕዳር ዓመታዊ ዋዕላ ኣካዪዶም።

ኣደ-መንበር መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሽወደን መንእሰይ ኣይዳ ተኽላይ፡ ምስ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝስጉም ስራሕ ንምስልሳል፡ ሓያል ጻዕሪን ጥምረትን ከምዘድልዮም ኣገንዚባ።

ኣመኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ተፈጢሩ ንዘሎ ቁጠባዊ ዕድላት ዝገጥም ክኢላዊ ዓቕሚ ንምምዕባል – ብዛዕባ ዝሰላሰል ዘሎ መደባትን ካልእን. . . ምስ ተሳተፍቲ ብቴለፎን ኣብ ዝገበሮ ርክብ መግለጺ ሂቡዎም።

ኣብ ፈረንሳ ድማ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር፡ ኣቶ በረኸት ጳውሎስ፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ፓሪስን ከባቢኣን፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ ስርሓትን፡ ብመንግስቲ ተበጋጊሱ ዘሎ ንዜጋታት ቀዳምነት ዝህብ ዕድላት ወፍሪን መግለጺ ሂቡ።

Categories