ኤርትራ፡ ብ23ን 24ን ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ባኩ-ኣዘርባጃን ኣብ ዝተኻየደ መዳለዊ ሚኒስተራዊ ኣኼባ ንመበል 18 ኣኼባ መራሕቲ ሻራ ዘይብለን ሃገራት ተሳቲፋ።
ኣብ’ዚ ወከልቲ 120 ኣባል ሃገራት ዝተሳተፉሉ ኣኼባ፡ ቀዋሚት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም፡ መርገጺ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ምዕባለታት ሰላምን ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰላት – ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ንምስግዳድ ዝግበር ዘሎ ዓሎቕ ዘነጽር ቃል ኣቕሪባ።
“እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ነቲ ሓባራዊ ምኽባር ልኡላውነት፡ ዘይምጥቕቓዕ፡ ዘይምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትን ማዕርነትን ዝብል ዝርከቦ – ዓሰርተ መትከላት ባንዱንግ ዘረጋግጽ እዩ” ክትብል መደረኣ ዝጀመረት ኣምባሳደር ሶፍያ፡ ምድልዳል ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን እቲ ኣውራ መትከል ምንቅስቓስ ሻራ ናይ ዘይብለን ሃገራት ብምዃኑ፡ እቲ ምንቅስቓስ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ እወታዊ ምዕባለታት ኣፍልጦ ምሃቡ ሞጒሳ።
ታሪኻዊ ሓባራዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ስሉሳዊ ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልያን ንምድልዳል ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዞባዊ ውህደት ንምድንፋዕ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ከምኡ’ውን ኤርትራን ጅቡቲን ሓድሽ ናይ ምትሕግጋዝ ምዕራፍ ንምርሓው ዝኣተዋኦ መብጽዓ፡ ኣብ’ቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ብምጥርጣርን ግጭትን ተጐቢኡ ዝጸንሐ ዞባና፡ መዋእል ሰላምን ተስፋን ከምዝኸፈተ ኣብሪሃ።
ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን ሪፓብሊክ ሱዳንን ዝተራእየ ምዕባለታት እውን፡ ንድሌታትን ምንዮትን ዘላቒ ምዕባለ ህዝብታት ናይ’ዚ ዞባ ብፍላይ፡ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ክብ ዘብል ምዃኑ ዝጠቐሰት ኣምባሳደር ሶፍያ፡ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ሓቢራን ተወሃሂዳን፡ ንተሃድሶ ናይ’ዚ ዞባን ምዕዛዝ ሰላም፡ ጸጥታን ቁጠባዊ ውህደትን ከም እትሰርሕ ኣረጋጊጻ። ኤርትራ ንስለ’ቲ፡ “ፖለቲካዊ ናጽነትን ዘይምትእትታው ኣብ ሓድሕዳዊ ጉዳያትን” ዝብል መትከላት ምንቅስቓስ ሻራ ናይ ዘይብለን ሃገራት፡ ብጽንዓት ደው ኢላ ከም እትምጒት ድማ ኣነጻራ።
ኣምባሳደር ሶፍያ፡ ዕቱብነት ትግባረ ኣህጉራዊ ሕጊ ንዘላቕነት ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ኣገዳሲ ምዃኑ – ጽኑዕ እምነት ኤርትራ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ምብኳር ናይ’ዚ፡ ንተወሳኺ ግጭት፡ ዘይምርግጋእን ጐንጽን ስለዘቃልዕ፡ ዕቱብ ቈላሕታ ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣገንዚባ።
ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት፡ ኤርትራ – ኩሎም ሰብኣዊ መሰላት ብዘይኣፈላላይ፡ ማዕረ ኣድህቦ ክወሃቦም ጸቒጣ ከምእትሓትት ብምሕባር፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ንምስግዳድ፡ ምትእስሳር ምስ ዘይብሎም ጉዳያት ከም መሳርሒ ክለዓል ምርኣይ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጻ። ኤርትራ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ብዕቱብ ክዝተየሉ ከምእትደሊ ድማ ኣነጺራ።
መበል 18 ኣኼባ መራሕቲ ሻራ ዘይብለን ሃገራት፡ ሎሚን ጽባሕን ክካየድ እዩ።