ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ዞባታት ጋሽባርካ፡ ብመልክዕ ፕሮጀክት ተጠርኒፎም ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ዝነጥፉ ዘለዉ ስድራ ስዉኣትን ጽጉማት ዜጋታትን፡ ሎሚ-ዘመን ብዝነበረ ሰናይ ክራማትን ዝተገብረሎም ደገፍን፡ ሕርሻታቶም ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከም ዝበጽሐ ሓቢሮም።
እዞም ብ‘መደብ መኸተ ልምዓት ምዕራባዊ ዞባ’ እናተኣልየ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ፕሮጀክት፡ ኣብ ፎውሊና – ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ቢምቢና – ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ዓናጉሉ – ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ከምኡ’ውን ተኾምብያ – ንኡስ ዞባ ላዕላይ ጋሽ ዝነጥፉ ዘለዉ ኣልማዕቲ፡ ሎሚ ዓመት ርቡሕ እቶት ክረኽቡ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ኣለዉ።
እቲ መደብ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከባቢ ንዝተለለዩ 20 ዜጋታት፡ ኣብ ከባቢ ሩባ ጋሽ 10 ሄክታር ብምሃብ ዝተበጋገሰ ኮይኑ፡ ብድምር ኣስታት 80 ስድራ ስዉኣትን ጽጉማትን – ኣብ 40 ሄክታር ተጠቀምቲ ገይሩ ኣሎ።
መንግስቲ፡ ነቶም ዜጋታት መበገሲ ዝኸውን ሞተረታትን ምስኡ ዝኸይድ መሳርሒታትን ክቕርበሎም እንከሎ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ድማ፡ ኣብ ቈጥቋጥ፡ ምምድማድን ምዅዓት ዒላታትን ከም ዝሓገዙዎም፡ እቲ ሓበሬታ የነጽር።
ኤሪና ዝተወከሰቶም ኣልማዕቲ፡ ነቲ ሎሚ ዓመት መሸላ፡ ዕፉንን ብውሑድ መጠን ድማ ፉል ዘበገሱዎ ክረምታዊ ሕርሻ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ናብ ልምዓት ጀራዲን ኣሰጋጊሮም፡ ኣሕምልቲን ጥረታትን ብምፍራይ – መነባብሮኦም ንምምዕባል ከምዘደንፍዑዎ ሓቢሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣካያዲት ኮሚተ ናይ’ቲ መደብ፡ እቶም ኣልማዕቲ ኣብ ናይ ሎሚ-ዘመን ክራማት፡ ናይ ዘርእን ትራክተራትን ሓገዝ ተገይሩሎም እዩ።
ኣብ መጻኢ ድማ፡ ብክኢላታት ሚኒስትሪ ሕርሻ ምክትታልን ሞያዊ ደገፍን እናተገብረሎም፡ ንዝለዓለ ውጽኢት ክነጥፉ ይስራሓሉ ኣሎ።