ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ደናንሎ – ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ካብ ባህላዊ ናብ ዘመናዊ ኣገባብ ምርባሕ ንህቢ ንኽሰጋገሩ፡ ደገፍ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓቲቶም።

ከባቢኦም ንምርባሕ ንህቢ ምቹእ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዘመናዊ ኣገባብ ንኽጥቀሙ፡ ናይ ቆፎን ሞያዊ ምኽሪን ሓገዝ ክግበረሎም ተላብዮም።

ሕሩም ሕዛእቲ ኣብ ምርባሕ ንህቢ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ከባቢኦም ብምሕዛእ ብሃብቲ ገረብን ምህርቲ መዓርን ክረብሑ ቅሩባት ምህላዎም እውን ኣረጋጊጾም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎሮ ኣቶ ዑስማን ዓረፋ፡ ብሰንኪ ራሕቂ፡ ዘይጥጡሕ ጽርግያን ካልእ ብድሆታትን፡ እቶም ኣርባሕቲ ንህቢ ዛጊት ከምዘይረብሑ ብምርግጋጽ፡ እቲ ጸገም ኣብ ቀረባ እዋን ክፍታሕ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ ካብ ዘለዋ 15 ምምሕዳራት ከባቢ፡ እተን ሸውዓተ ኣብ ጐቦታት ዝተደኰና እየን።

Categories