ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ሓረስቶት ምቅይያር ኣዝርእቲ ከዘውትሩን፡ ኣብ ጥረታትን ቅብኣን ክጸቕጡን ዝተገብረ ጐስጓሳት፡ ኣብ ባይታ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝሃበ ተገሊጹ።

ወኪል ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣብቲ ዞባ ወይዘሮ ክብራ ገብረመስቀል ነዚ ዝገለጸት፡ ብ8 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተገብረ ገምጋም እዩ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕርሻን ክኢላታትን ዝተረኽቡሉ ገምጋም፡ ሎሚ ዓመት ብዝነበረ ትስፉው ክራማት፡ ልዕሊ 56 ሽሕ ሄክታር ብያታውን ዘበናውን ኣገባብ ከምእተሓርሰ ሓቢራ።

ኣብ መብዛሕትኡ መገሃጫታት እኹል ሳዕሪ በቚሉ ብምህላዉ እውን፡ ሓረስቶት ንነዊሕ እዋን ክጥቀሙሉ ምእንቲ፡ ቃንጫን ሳዕሪን ናይ ምእካብን ምኽዛንን ጐስጓሳት ይካየድ ከምዘሎ ገሊጻ።

ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ኣስታት 18 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ልዕሊ 2,600 ኪሎ-ሜትር ዛላታት ብህዝባዊ ወፈራታት ክስራሕ እንከሎ፡ ልዕሊ 1300 ኪሎ-ሜተር ዛላታት ከምእተጸገነ፡ ብኣሃዱ ልምዓት መስኖ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

ምሩጽ ዘርኢ ብልቱግ፡ መሸላን ስርናይን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ዝጠቐሰ’ቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ምሩጽ ዘርኢ ምቁር ድንሽ ግን፡ ዝያዳ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ኣብ ከትርታትን ማይን ንዝተሰላሰለ ስራሕ ድሕሪ ምምጓስ፡ ተዋህሊሉ ዘሎ ማይ ብውሕሉል ኣገባብ ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት ንምውዓሉ፡ ምትሕብባር ኩለን ኣካላት ክዓዝዝ ኣተሓሳሲቡ።

Categories