ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ማእከል፡ ኣብ እምባርዳእ – ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ፡ ንምርባሕን ኣመጋግባን ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይ ብዝምልከት፡ ብ12 ጥቅምቲ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣብ’ቲ ወከልቲ ዝተፈላለያ ዓድታትን፡ ኣባላት ማሕበር ተራድኦ ኣርባሕቲ ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይን ዝተሳተፉዎ ኣስተምህሮ፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ኤሳው ትኩእ፡ ስጋ ዓሳ ቀንዲ ምንጪ ፕሮቲን ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ከባቢ ዲጋታት ዝርከባ ስድራ-ቤታት፡ ዘለወን ጸጋታት ከም መግብን ምንጪ እቶትን ክጥቀማሉ ኣዘኻኺሩ።

ሓለፍቲ ኣሃዱታት ምቁጽጻር ብቕዓት ዓሳን ፍቓድ ዋኒንን ከኣ፡ ስጋ ዓሳ ክንዲ’ቲ ረብሓታቱ ቅልጡፍ ናይ ምብልሻው ተኽእሎ ከምዘለዎ ብምምልካት፡ ብጽሬት ክትሓዝን ቀልጢፍካ ክኽሸንን መኺሮም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ’ቲ ዕለት፡ ኣብ ዓዲጥልያን ኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝተቐመጠት ተወላዲት መርሓኖ ወይዘሮ ግደይ ስእለ፡ ኣብ ምስራሕ ስትራተጂካዊ ጽርግያ ዓዲ-ጓዕዳድ-ቤት-ገርግስ ንዝተዋፈሩ ብጾት፡ ናይ ምሳሕን ምዝንጋዕን መደብ ገይራትሎም።

Categories