ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 11 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ምሸት፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሚስ ኣዉት ዴንግ ኣሹዊል፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤተ-መንግስቲ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ሚኒስተር ኣዉት፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣረኪባ።

እቲ መልእኽቲ፡ ኣብ ውሽጣዊ ምዕባለታት ህንጸት ሰላም ደቡብ ሱዳን፡ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዘአንግዶ ዝርርብ ሰላም ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ሱዳንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክልተኣዊ ምትሕብባር ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ዘተኰረ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም ወገናት፡ ብዛዕባ ዞባዊ ውህደት ቀርኒ ኣፍሪቃን ክዉን ንምግባሩ ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታትን እውን ተመያዪጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝጸንሐ ምሕዝነታዊ ዝምድና ህዝቢን መንግስትን ኤርትራ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ደጊሙ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣብ መጻኢ እውን ብዝለዓለ ከምዝቕጽል ኣነጺሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምስፋን ሰላም ኣብ ሱዳንን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ክጻወቶ ዝኽእል ተራ ዓቢ ምዃኑ፡ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ነዚ ብክልተኣውን ዞባውን ደረጃ ዝግበር ምትሕግጋዛት ኣብ ምስላጥ ዝነጥፉ፡ ናይ ሓባር ኣካላት ምቛም ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories