ኣብያተ-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ዃላን ጊንዳዕን፡ ማሕበረቁጠባዊ ጸገማት ንዘለዎም ዜጋታት ሓጊዘን።

ኣብ ዓድዃላ፡ ሓላፊት’ቲ ቤትጽሕፈት ወይዘሮ ትርሓስ ሰለሙን፡ እቲ መደብ መቐጸልታ ናይቲ ንስድራ ስዉኣትን ስንኩላንን ዝግበር ደገፋት ምዃኑ ብምሕባር፡ ንትሽዓተ ኣለይቲ ዘኽታማት ስድራ-ቤታት ንነፍሲ-ወከፈን 20 ሽሕ ናቕፋ ብምምዳብ፡ ብንኡስ ንግዳዊ ንጥፈት ከምኡ’ውን ብጥሪት ከምዘጣየሰ ኣረዲኣ።

እቲ ቤት-ጽሕፈት ብዘይካ’ዚ፡ ን60 ተመሃሮ ዓይነታዊ ሓገዝ ከምዝገብረ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ድማ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ደንጎሎ ላዕላይን ታሕታይን፡ ኣብ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ጊንዳዕ፡ ን160 ጽጉማት ተመሃሮ ናይ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ተገይሩ።

ወኪል ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ወይዘሮ መርየም ኣሕመድ፡ እቲ ብኮሚተ ኣብያተ-ትምህርትን ኣመሓደርትን ተጸኒዑ ዝተዓደለ ናውቲ፡ ተመሃሮ ብቑጠባዊ ጸገም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንከይበዅሩ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢራ።

Categories