ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ጽላት ቱሪዝም ንምምዕባል፡ ኣብ ሰለስተ ንኡሳን ዞባታት – ኣብ ድባርዋ፡ ደቀምሓረን ዓዲዃላን ፓርክታት ቱሪዝም ንምውዳድ ንጥፈታት ክጅመር እንከሎ፣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ – ትካላት ኣገልግሎት ቱሪዝም ዕግበት ዓማዊል ከውሕሳ ተሓቲቱ።

ኣብ ድባርዋ ኣብ ዝተሓርየ ፓርክ፡ ብ25 መስከረም ልዕሊ 100 ኣባላት ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም ወፈራ ምግራብ ኣካዪዶም።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ እዚ ኣብ’ቲ ዞባ ክተኣታቶ ጀማሚሩ ዘሎ ፓርክታት ቱሪዝም፡ ግቡእ ቀጽሪ ከምዝስራሓሉን መበቈላውያን ኣግራብ ከምዝትከሉሉን ሓቢራ።

ኣብ ጊንዳዕ ድማ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ጽፈትን ጽሬትን ብምዝውታር ተወዳደርቲ ንምዃን ክሰርሓ፡ ሓላፊ ክፍሊ ቱሪዝም ናይ’ቲ ዞባ ኣቶ ሞጐስ ኣስገዶም ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ሞጐስ፡ ምስ ወነንቲ ትካላት ኣገልግሎት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣብ ኣገዳሲ መስመር ኣስመራባጽዕ ስለዝርከብ፡ በጻሕቲ ብብዝሒ ከም ዘአንግድ – ስለ’ዚ ድማ፡ ዕግበት ዓማዊል ንምርግጋጽ ዕቱብነት ክህሉ ኣተሓሳሲቡ።

Categories