ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብኣሰራርሓ ዕንቊ ዘሰልጠነን 20 ኣባላቱ፡ ብ4 ጥቅምቲ ኣመሪቑ።

ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ሳዕድያ ኢብራሂም ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣፍረይቲ ኮይነን ብቑጠባ ነብሰን ንክኽእላ ቀጻሊ ዝስራሓሉ ዘሎ ምዃኑ ጠቒሳ፡ እዚ ንሰልጠንቲ ወርሓዊ ክፍሊት እናሃብካ ዝተወደበ ስልጠና እውን፡ ኣካል ናቱ ከምዝኾነ ሓቢራ።

ሞያ ብቐጻሊ ስራሕ ዝምዕብል ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ሰልጠንቲ ረኺበናኦ ዘለዋ ዕድል ከም መበገሲ ወሲደን ብስራሕ ከማዕብላኦ ኣዘኻኺራ።

ኣብ መመዳእታ፡ ሰልጠንቲ ዝተማህራኦ ሞያን ዘጥረያኦ ዓቕሚን ዘንጸባርቕ ምርኢት ኣቕሪበን።

Categories