ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ ኣቶ ሙሳ ሕሴን ናይብ፡ ብ5 ጥቅምቲ ንኣባላት መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ብመንጽር ዘሎ ብድሆታት ሰሚናር ሂቡ።

“ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሳ ሃገር ንምህናጽ ኣብ እንገብሮ ዘሎና ቃልሲ፡ ትምህርትን ስራሕን እቶም ቀንዲ ዕጥቅና እዮም” ዝበለ ኣቶ ሙሳ፡ ዝግበር ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ፡ ብቑዕ ፍልጠት ዝሕላገቱ ዓቕሚን ኣገልግሎትን ዝውንን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ምዃኑን፡ ዘተባብዕ ኣንፈት ሒዙ ከምዘሎን ኣረዲኡ።

ንዝርጋሐን ኣቕርቦትን ትምህርቲ ኣብ ዝምልከት፡ መብዛሕትአን ትካላት ትምህርቲ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ምድኳነን፡ ኤርትራ እትትግብሮ ንዘላ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘነጽር ምዃኑ ገሊጹ።

ርእሰ-መምህር 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ፡ መምህር ርእሶም ገብረሂወትን ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ደበሳይ ግደን በብወገኖም፡ ኩሉ’ቲ ብሃገር ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን ወፍርን – ብቐንዱ ናብ መንእሰይ ዝቐንዐ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መንእሰያት – ብቑዕ ፍልጠት ዓጢቖም ብሩህ መጻኢኦም ንምውሓስ ክጽዕሩን፡ ብድስፕሊን ክመላለሱን ኣዘኻኺሮም።

Categories