ልዕሊ 3 ሚልዮን ናቕፋ ዝወድአ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክት ዝስተ ማይ ወኪድባ፡ ብሰንበት 6 ጥቅምቲ ተመሪቑ።
እቲ ፕሮጀክት፡ ዒላ፡ ኣብ ሰዓት 30 በርሚል ዝጭንጉዕ ጸሓያዊ ጸዓት፡ መዋህለሊ ገንኢ፡ ከምኡ’ውን ናብ ዓዲ ዝተዘርግሐ መስመርን ኣርባዕተ መዐደሊ ነቚጣታትን የጠቓልል።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ወኪ-ድባ ርኡይ ናይ ማይ ጸገም ስለዝነበረ፡ ኣዴታት ንኣስታት ክልተ ኪሎ-ሜተር ተጓዒዘን ማይ ክጎንካ ምጽንሐን ተገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ በሪኽ ኣቶ ተስፉ ፍስሓጼን፡ ህዝቢ ነቲ ትሕተ-ቅርጺ ብውሕሉል ኣገባብ ክጥቀመሉን ክዕቅቦን ተላብዩ።
ህዝቢ ወኪ-ድባ፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ መፈጸምታኡ ንኽበጽሕ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ዝመጐሰ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን ብወገኑ፡ ምንጪ ናይቲ ፕሮጀክት ዝኾነት ዒላ እኹል ማይ ከተዋህልል ምእንቲ፡ ህዝቢ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ዘሰስን ንጥፈታት ከካይድ ኣዘኻኺሩ።
ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ምዕራብ ኣብ ከባቢ 5 ኪሎ-ሜተር እትርከብ ወኪ-ድባ፡ ኣስታት 3 ሽሕ ተቐማጦ ኣለዉዋ።