ልዕሊ 3 ሚልዮን ናቕፋ ዝወድአ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክት ዝስተ ማይ ወኪድባ፡ ብሰንበት 6 ጥቅምቲ ተመሪቑ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ዒላ፡ ኣብ ሰዓት 30 በርሚል ዝጭንጉዕ ጸሓያዊ ጸዓት፡ መዋህለሊ ገንኢ፡ ከምኡ’ውን ናብ ዓዲ ዝተዘርግሐ መስመርን ኣርባዕተ መዐደሊ ነቚጣታትን የጠቓልል።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ወኪ-ድባ ርኡይ ናይ ማይ ጸገም ስለዝነበረ፡ ኣዴታት ንኣስታት ክልተ ኪሎ-ሜተር ተጓዒዘን ማይ ክጎንካ ምጽንሐን ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ በሪኽ ኣቶ ተስፉ ፍስሓጼን፡ ህዝቢ ነቲ ትሕተ-ቅርጺ ብውሕሉል ኣገባብ ክጥቀመሉን ክዕቅቦን ተላብዩ።

ህዝቢ ወኪ-ድባ፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ መፈጸምታኡ ንኽበጽሕ ንዝገበሮ ኣበርክቶ ዝመጐሰ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን ብወገኑ፡ ምንጪ ናይቲ ፕሮጀክት ዝኾነት ዒላ እኹል ማይ ከተዋህልል ምእንቲ፡ ህዝቢ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ዘሰስን ንጥፈታት ከካይድ ኣዘኻኺሩ።

ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ምዕራብ ኣብ ከባቢ 5 ኪሎ-ሜተር እትርከብ ወኪ-ድባ፡ ኣስታት 3 ሽሕ ተቐማጦ ኣለዉዋ።

Categories