ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ክራማት ሎም-ዘበን ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ሰፊሕ ዝርጋሐን ጽቡቕ መጠንን ስለዝነበሮ፡ መብዛሕትኡ ዘራእቲ ኣብ ደረጃ ፍረ ከምዝበጽሐን ጥቡቕ ምክትታል ከምዘድልዮን፡ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣገንዚቡ።

ብ3 ጥቅምቲ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ዋና ዳይረክተር ናይቲ ክፍሊ ኣቶ የማነ ኣባይ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ዝናብ ኣዝመራ፡ ካብ ምዝዛም ወርሒ ሰነ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ድማ ኣብ ዝበዝሓ ንኡሳን ዞባታት ጽቡቕ ዝናብ ክራማት ብምውቅዑ፡ ልዕሊ 156 ሽሕ ሄክታር ከምእተዘርአ ገሊጹ።

ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ኣብቲ ውጽኢት ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ፡ ሓረስቶት ዘዝነቐጸ ኣእካል ናይ ምዕጻድን ምእካብን ንጥፈታት ከምዝጀመሩ ሓቢሩ።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝተፈላለየ ዓይነታት ፈልሲ ኣግራብ ከምእተተኽለ እውን፡ ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ በሪሁ።

ተሳተፍቲ፡ ተበግሶታት ሓረስቶት ኣብ ምድላው ባህርያዊ ድዅዒ ክተባባዕ፣ ሓድሽ ዓይነት ጻህያይ ተጸኒዑ ብኣጋ ስጉምቲ ክውሰደሉ ኣተሓሳሲቦም።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ዘራእትን ሳዕርን ኣብ ግዜኡ ንምእካብን በብከባቢኡ ተሃኒጹ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ምኽዛን ማይ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓልን፡ ከምኡ’ውን ምዕቃብ ማይን ሓመድን ተጠቃምነት ባህርያዊ ድዅዒን ብዕቱብ ክድፋኣሉ ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን ድማ፡ ኣብ ትግባረ መደባት ስራሕን ምቕርሐ ጸጋታት ዓቕሚ-ሰብን ብውህደት ምስራሕ፡ ኣድህቦ ክግበረሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories