ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ምርምር ተኻዪዱሉ ንሓረስቶት ዝተዓደለ ምሩጽ ዘርኢ ብልቱግ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ብ30 መስከረም ኣብ ግላስ ኣብ ዝተዘከረት ‘መዓልቲ ሓረስቶት’ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ክኢላታት ሕርሻ፡ ኣብነታውያን ሓረስቶት፡ ከምኡ’ውን ኣመሓደርቲ ከባቢታት ግላስ፡ ኣወንጀሊ፡ በጉን እንጭናቅን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ንዝነበረ ሰናይ ክራማት፡ ጻዕሪ ሓረስቶትን ብርትዓዊ ዋጋ ዝተመደባሎም ትራክተራትን ተወሲኹዎ፡ ጽቡቕ ምህርቲ ክሕፈስ ትጽቢት ከምዘሎ ተገሊጹ።

ግዝያዊ ሓላፊት ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ክብራ ገብረመስቀል፡ ብልጫታትን ረብሓታትን ምሩጽ ዘርኢ ብልቱግ ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ዝሓሸ እቶት ንምርካብ፡ ሓረስቶት ምስ ክኢላታት ተወሃሂዶም ጻዕሪታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺራ።

ሓላፊ ልምዓት ብቚሊ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዮናስ ኣብርሃም ድማ፡ እቲ ምሩጽ ዘርኢ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሓጋዝ፡ ሃበሮን ዒላበርዕድን ን1890 ሓረስቶት ተዓዲሉ ኣብ1460 ሄክታር ከምእተዘርአን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብን ሓቢሩ።

“ዘርኢ፡ ካብ እኽሊ ዝተፈልየ እዩ” ዝበለ ሓላፊ ኣሃዱ ዘርኢ ኣቶ ተስፋብርሃን ሓጐስ፡ ኣብ ሓጋዝን ሓመልማሎን ን723 ሓረስቶት ተዓዲሉ ኣብ 182 ሄክታር ዝተዘርአ ፉልን ኣብ ዓዲ-ተከሌዛን ን50 ሓረስቶት ተዓዲሉ ኣብ 50 ሄክታር ዝተዘርአ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይን እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ትስፉው ደረጃ ከምዝበጽሐ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ 12,850 ሄክታር መሸላ፡ 821 ሄክታር ፉል፡ 602 ሄክታር ድማ ጥረታት ተዘሪኡ ኣሎ።

Categories