ኣብ ምምሕዳር ካባቢ ባራዓሶሊ – ንኡስ ዞባ ደቡብ ደንከልያ ብ1 ጥቅምቲ ንሰለስተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወቕዐ ብርቱዕ ዝናብ፡ ዕልቕልቕ ብምፍጣር ኣብ ኣባይትን ንብረትን ጉድኣት ኣውሪዱ።

ብሰንኪ’ዚ ዘይንቡር ባህሪያዊ ሓደጋ፡ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት እኳ እንተዘየለ፡ ኣስታት 100 ኣባይቲ ምስ ንብረቱ ከምዘዕለቕለቐ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ሰነዳት ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከም እተበላሸወን፡ ምንጪ ዝስተ ማይ ነበርቲ ባራዓሶሊ፡ ዓዶባሮን ቢሕታን ዝኾና ሰለስተ ራህያታት ብውሕጅ ከምዝፈረሳን እውን ተፈሊጡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ ባራዓሶሊ ንሸነኽ ደቡብ 10 ኪሎ-ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ዓዲ ታካይ፡ ሓደ ገመል ብበርቂ ከምዝሞተ ተፈሊጡ።

Categories