ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ ጉጅለ ሓካይም ‘ኣልበሰር’ ብምትሕብባር፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ጸሮና፡ ማይ-ዓይኒ፡ ሰንዓፈን ዓዲ-ቐይሕን ንዝመጹ 442 ዜጋታት፡ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ዕዉት መብጣሕቲ ዓይኒ ኣካዪዱ።

ሓላፊ ሆስፒታል ዓዲ-ቐይሕ ዶክተር ባህበሎም ሚካኤል፡ ካብ 24 መስከረም ክሳብ 1 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ልዕሊ 2 ሽሕ ዜጋታት ንመርመራ ከምዝቐረቡ፡ ብዘይካ’ቶም መብጣሕቲ ዝተገብረሎም ድማ፡ 500 መነጸር ዝተረፉ ድማ መድሃኒት ከምእተዋህቦም ገሊጹ።

ካብቶም መብጣሕቲ ሓበላን ዓጽሚ ዓይኒን ዝተገብረሎም – ሰለስተ ቈልዑ ኮይኖም፡ ካብ ህጻንነቶም ክልቲኡ ኣዒንቶም ሓበላ ዝነበሮ እዮም።

ዳይረክተር ጉጅለ ሓካይም ኣልበስር ፕሮፌሰር መሓመድ-ኑር ሓሰን፡ ኣቐዲሙ ናይ መርመራን ቈጸራን ንጥፈታት ብጽፈት ተሳሊጡ ብምጽንሑ፡ ዕዉት መደብ ምንባሩ ገሊጹ።

ነቲ ስራሕ ንምዕዛብ ዝመጸት ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑር-ሕሴን፡ ጠንቂ ዑረት ዝኾኑ ሕማማት ንምክልኻል ዕቱብ መደብ ይትግበር ከምዘሎ ሓቢራ።

ኣብቲ ወፍሪ፡ 25 ሓካይም ‘ኣልበስር’ ዝርከብዎም 66 ሞያውያን ከም እተሳተፉ ተፈሊጡ።

Categories