ብምኽንያት 5 ጥቅምቲ ዓለማዊ መዓልቲ መምህራን፡ ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝነጥፉ 110 ገዳይምን ኣብነታውያንን መምህራን፡ ናይ ዋንጫ፡ ሜዳልያ፡ ወረቐት ምስክርን ገንዘብን ሽልማት ተዓዲሎም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ መምህር ደጎል ሃብተስላሴ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ምምህርና – እናመሃርካ እትመሃረሉ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀጻሊ ምርምርን መጽናዕትን እትጽመደሉ፡ ወለዶታት ዝዅስኵስ ክቡር ሞያ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ከይሰልከዩ ንዘምሃሩ ኣስታት 87 ገዳይምን 23 ኣብነታውያን መንእሰያትን ኣፍልጦን ሽልማትን ምሃብ፡ ንሓደስቲ መምህራን ዘተባብዕ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ምምህርና ብዘይምቊራጽ ብዝዛሪ ሩባን ጅር ደቂ-ሰብን ክምሰል ከምዝከኣል ዝጠቐሰ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር መምሃራን ጨንፈር ዞባ ማእከል መምህር ኣፈወርቂ ገብረእግዝኣብሄር ብወገኑ፡ ማሕበር -ንዕብየትን ምዕባለን ትምህርቲ፡ ኣብነታውያን መምህራን ንኽፈርዩ ዝገብሮ ኣበርክቶ ቀጻሊ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል መምህር በላይ ሃብተጋብር ድማ፡ ትምህርቲ ብዓይነት ንምምሕያሽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ነባራትን ኣብነታውያንን መምህራን ነቶም ልዕሊ 60 ሚእታዊት መንእሰያት ዝኾኑ መምህራን ተመኵሮ ከቕስምዎምን ብኣብነት ክመርሑዎምን ኣዘኻኺሩ።

Categories