ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ማእከል፡ ኣብ ገስጋስ ንጥፈታት ማሕበርን መጻኢ መደባትን ዝዘተየ ርክብ፡ ብ5 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ኣባላት ማሕበር ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ጽማቚ ጸብጻብ ንጥፈታት ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ 4ይ ጉባኤ ንዘተ ኣብ ዝቐርብ ንድፊ ቅዋም ዘተ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ማሕበር ኣብ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ሓያሎ ብድሆታት’ኳ እንተሰገረ፡ ብደገፍ መንግስቲ፡ ሕብረተሰብን ምትሕብባር መሻርኽቲ ኣካላትን ዓበይቲ ንጥፈታት ከምዘሰላሰለ በሪሁ።

ማሕበር ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጉባኤ ከየካየደ ነዊሕ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባኤ ኣቶ ብርሃነ ዘርአ፡ በቲ ተደሊቡ ዘሎ ተመኵሮ ኣብ ቅዋም ማሕበር ምምሕያሽ ተገይሩ፡ እቲ ንድፊ ንኽጸድቕ ናብ ባይቶ ከምዝቐርብ ሓቢሩ።

4ይ ጉባኤ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ዝመጽእ 25ን 26ን ጥቅምቲ ክካየድ’ዩ።

Categories