ዓለማዊ መዓልቲ መማህራን፡ ‘መንእሰያት መማህራን፡ ዋሕስ ሞያ ምምህርና” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 4 ጥቅምቲ ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ማሕበር መማህራን ተዘኪራ።
ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርትን ወከልቲ መማህራንን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር መማህራን ኤርትራ መምህር ስምኦን መሓሪ፡ ብደረጃ ዓለም ንመበል 26 ግዜ ብደረጃ ሃገር ከኣ ንመበል 23 ግዜ ትዝከር ዘላ ዓለማዊ መዓልቲ መማህራን፡ ረዚን መልእኽቲ ህንጸት ወሎዶታትን ውሕስነት መጻኢን ከምዘለዋ ገሊጹ።
5 ጥቅምቲ – ኣህጉራዊ መዓልቲ መማህራን፡ ኩነታትና ገምጊምና፡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ሃጓፋትና መሊእና፡ ንመጻኢ ኣሚትና ብንጥፈት ንስራሕ ንምስጓም ቃልና እነሐድሰላ ዕለት ምዃና ዝጠቐሰ መምህር ስምኦን፡ መንእሰያት መማህራን ዋሕስ ሞያ ምምህርና ካብ ኰኑ፡ ተሰኪሞምዎ ዘለዉ ሓላፍነት ብብቕዓት ንምፍጻም፡ ምቹእ ባይታ ክፍጠረሎም ኣዘኻኺሩ።
ወኪል ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ብወገኑ፡ ሞያ ምምህርና ብኹሉ መዳያቱ እናማዕበለ ክኸይድ እንተኾይኑ፡ ዋሕሱ እቲ መንእሰይ መምህር ከምዝኾነ ብምጥቃስ፡ ማሕበር መማህራን፡ ኣብ ምብራኽ ዓቕሚ መማህራን ብሓፈሻ መንእሰያት መማህራን ድማ ብፍላይ ቀጻሊ ስልጠናታት ክውድብ ተላብዩ።
ኣስታት 18 ሽሕ ኣባላት ዘለውዎ ማሕበር መማህራን ኤርትራ፡ ካብ 1996 ኣትሒዙ ኣባል ማሕበር መማህራን ዓለምን ኣፍሪቃን ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብደረጃ ዞባ ደቡብ ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ንተራን ሓላፍነትን መማህራን ዝምጒስ ሰልፊን ካልእ ንጥፈታትን ዘጠቓለለ – መደብ ዝኽሪ መዓልቲ መማህራን ተኻዪዱ።