ኤርትራ፡ ካብ 18 ክሳብ 20 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ሲምፖዝዩም ጸጥታ ኣቭየሽን፡ ከምኡ’ውን ካብ 24 መስከረም ክሳብ ሎሚ 4 ጥቅምቲ ኣብ ዝቐጸለ መበል 40 ጉባኤ ኣህጉራዊ ውድብ ሲቪል ኣቭየሽን ተሳቲፋ።

ኣብ’ቲ፡ 42 ኣባል ሃገራትን 7 ናይ ኣቭየሽን ሰናዕቲን ዝተሳተፋኦ ሲምፖዝዩም፡ ከምኡ’ውን 193 ኣባል ሃገራትን ናይ ኣቭየሽን ሰናዕቲን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዝተሳተፍዎ ጉባኤን፡ ኤርትራ ብዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሲቪል ኣቭየሽን ኣቶ ጳውሎስ ካሕሳይን ኣባል ቤትጽሕፈት ቈንስል ኤርትራ ኣብ ካናዳ ኣቶ ሳሚኤል ግርማይን እያ ተወኪላ።

ኣቶ ጳውሎስ ካሕሳይ፡ ኤርትራ – ነቲ ብዓለም ደረጃ ብገምጋም 72 ሚእታዊት ዝኾነ ሸቶ ጸጥታ ኣቭየሽን፡ 75.56 ሚእታዊት ብምምዝጋብ ከምዝሓለፈቶ፡ እዚ ድማ ንትግባረ ስምምዕ ኣህጉራዊ ውድብ ሲቪል ኣቭየሽን ዓቂባ፡ ብኣድማዕነት ትዓየሉ ከምዘላ ዘነጽር ምዃኑ ገሊጹ።

ኤርትራ፡ ኣብ 1993 ኣባል ኣህጉራዊ ውድብ ሲቪል ኣቭየሽን ክትከውን እንከላ፡ ብ8 መጋቢት 2000 ድማ ክሊ ኣየራ ከምዝኸለለት ይፍለጥ።

Categories