ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንልኡኽ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 2 ጥቅምቲ፡ ብሚኒስተር ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት – ማዪክ ኣዪ ደንግ ንዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

እቲ ልኡኽ፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚቐትሪ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ሳልቫኪር፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንህዝብን ቃልስን ደቡብ ሱዳን ንዝገበሩዎ ደገፍ ብምጥቃስ፡ ሃገሩ ንሕውነታዊ ምትሕብባርን ሽርክነታዊ መደባትን ከምእትሰርሓሉ ዘረጋግጽ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ’ዚ ኣብ ዞባና ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን መድረኽ፡ ኣብ ምምዕባል ሽርክነታዊ ዝምድናን ቊጠባዊ ዞባዊ ምትሕግጋዝን፡ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ንእትወስዶ ተበግሶ ከምዘተባብዕ ገሊጹ።

እቲ ልኡኽ ንእግረ-መንገዱ፡ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንዝተሃንጸት ዲጋ ጠቐራን በጺሓቶ ዘላ ደረጃን ተዓዚቡ።

Categories