ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብሓፈሻ፡ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ሸነኽ ናይ’ቲ ዞባ ድማ ብፍላይ፡ ኩነታት ዘራእቲ፡ መገሃጫታትን ምንጪታት ማይን ጽቡቕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ብዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን ተሰንዩ – ካብ 24 ክሳብ 27 መስከረም ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ብዝነበረ ህጡር ክራማት፡ ኣእካል ኣብ ደረጃ ፍረ ምስኳዕን ምሽዋትን፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዝለዓለ ደረጃ ዝተደፍኣሉ ስምስም ድማ፡ ኣብ ደረጃ ምዕጻድ ከምዝበጽሐ ተዓዚቡ።

እቲ ዑደት፡ ከባቢታት ኦምሓጀር፡ ገርገፍ፡ ከታይ፡ ማዕሎባ፡ ጎልጅ፡ ኮና፡ ሸሃተ፡ ግርመ፡ ዓዲ-ማእለል፡ ዓዲ-ሃኪን፡ ሽላሎ፡ ሸሸቢት፡ ማይ-ቆቛሕ፡ ሃዳሙን ተኾምብያን ዘጠቓለለ ምንባሩ፡ ኣመሓደርትን ካልኦት ሓለፍትን ሓረስቶትን ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ዘሎ ትስፉው ኩነታት ሕርሻን መገሃጫታትን ዝርዝራዊ መብርሂ ከምዝሃቡ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ሎምዘበን ልዕሊ 80 ሽሕ ሄክታር ከምእተሓርሰን፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዝርከብን፡ እቶም ኣመሓደርትን ሓለፍቲ ቁጠባዊ ልምዓትን ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ-መሕትት ገሊጾም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ እውን፡ ልዕሊ 13 ሽሕ ሄክታር ከምእተዘርአ፡ ብዘይካ ኣብ ውሱን ከባቢታት፡ ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል’ቲ ንኡስ ዞባ ኩነታት ዘራእቲ ኣብ ናይ ፍረ ደረጃ ከምዝበጽሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣስታት 30 ሽሕ ሄክታር ዝተዘርኦ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ እውን፡ ዘዕግብ ምህርቲ ክሕፈሶ ትጽቢት ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ልዕሊ 205 ሽሕ ሄክታር ከምእተሓርሰ፡ እዚ ድማ ካብቲ ክሕረስ ተወጢኑ ዝነበረ ስፍሓት 90 ሚእታዊት ከምዘጠቓልል ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ዘዋፈረን ትራክተራት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበራ ኣብሪሁ።

ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ እዚ ብሰናይ ክራማትን ጻዕሪ ሓረስታይን ኣብ ትስፉው ኩነታት በጺሑ ዝርከብ ዘራእቲ ክሳብ ዝሕፈስ፡ ዕቱብ ምክታትል ክግበረሉ፣ እቲ ዘሎ ዘራእቲ ብዓቕሚ ሓረስቶት ኣብ እዋኑ ክጥርነፍ ኣሸጋሪ ብምዃኑ፡ ናይ ልቓሕ ዕድል ክጣጥሓሎም፣ መንግስቲ ነቲ ኣእካል ናብ ህዝቢ ከከፋፍሎ ምእንቲ፡ ንወጻኢታቶምን ጻዕሮምን ብዘሕዊ ኣገባብ ብቐጥታ ክዕድገሎም ተማሕጺኑ።

Categories