ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ጉዳያት፡ ሚስ ኦርሱላ ሙለር፡ ብ30 መስከረምን 1 ጥቅምትን ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺማ።

ሚስ ኦርሱላ ኣብ ዑደታ፡ ምስ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት ዶክተር ገርግሽ ተኽለሚካኤል፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ከምኡ’ውን ምስ ፕረዚደንት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ርክባት ኣካዪዳ።

ሚስ ኦርሱላ ሙለር ኣብ ርክባታ፡ መንግስቲ ኤርትራን ሕቡራት ሃገራትን ብሽርክነት ብዛዕባ ዘሰላስልዎ ዘለዉ መደባትን፡ ኣብ መጻኢ ክግበር ዝከኣል ምትሕብባርን ሓሳብ ተለዋዊጣ።

ሚስ ኦርሱላ ሙለር ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ እትርከብ ቁሸት ‘ምሓበሽ’ በጺሓን ማእከል ጥዕና ዒላበርዕድ ዝህቦ ኣገልግሎት ተዓዚባን።

Categories