ኣብ ኣግራዕ – ንኡስ ዞባ ናቕፋ እትርከብ መደበር ጥዕና፡ ነፍሰጾራት ብቐረባ ኩነታት ጥዕናአን ክከታተላን ሞያዊ ሓገዝ ክረኽባን ልዑል ኣስተዋጽኦ ትገብር ከምዘላ፡ ነበርቲ ገሊጸን።

እታ መደበር ጥዕና፡ ኣፍልጦሕብረተሰብ ኣብ ዘመናዊ ሕክምና ንምብራኽ እውን
ኣስተምህሮታት ከም እትውድብ ዝሓበራ ነበርቲ፡ ከም ውጽኢቱ – ተርእዮ ሕማማትን ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ዘጋጥም ሞት ኣደን ዕሸልን እናነከየ ከምዝመጸ ኣብሪሀን።

ኣብታ መደበር ጥዕና፡ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ዝስራሓሉ ኩነታት ክፍጠር ድማ ኣዘኻኺረን።

እተን ኣደታት፡ ህጻናትን ቈልዑን እውን ኣብ ግዜኦም ክታበት ይረኽቡ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ልዕሊ ኩሉ በቶም ሞያውያን ንዝዝውተር ሓልዮት ኣመስጊነን።

Categories