ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ብ28 መስከረም፡ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ምምስራት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ጸምቢሉ።

ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ኤምባሲ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ፡ ባሕቲ ጥቅምቲ 1949፡ ነቲ ቻይና ክትበጽሖ ዝተለመቶ – ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ጉዕዞ ብልጽግና ፈላሚት ዕለት ምንባራ ብምሕባር፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ 70 ዓመታት፡ ቻይና ኣብ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ዓበይቲ ዓወታት ከምእተጐናጸፈት ገሊጹ።

ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ናይ ተሃድሶን ክፉትነትን ጉዕዞኣ፡ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዜጋታታ ካብ ድኽነት ከተናግፍ ከምዝኸኣለት፡ ዝዓበየት ኢንዱስትርያዊት ሃገር ክትከውን ከምዝበቕዐት፡ ህይወት ዜጋታታ ዓይነታዊ ለውጢ ከምዘመዝገበ፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ቻይና በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ንኽትበጽሕ፡ ንዝሓለፈቶ መድረኻት ዘርኢ – ተንቀሳቓሲ ስእሊ እውን ንምርኢት ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ጽምብል፡ ሚኒስተራት ዝርከቡዎም ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም።

Categories