በዓል መስቀል፡ ትማሊ 28 መስከረም ኣብ መላእ ሃገር ብክብ ዝበለ መዓርግ ተኸቢሩ።

ኣብ ኣስመራ – ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ – መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ብመሪሕነት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስን ዓቃቤ መንበር ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስን ጸሎት ዓሪጉ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ብለባስያን ሰብ ተራ ስርዓተቅዳሴ ተኻይዱ።

ብመሪሕነት መካነ ሰማእት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቲራቮሎ ዝተመርሑ ሊቃውንቲ፡ ብጸናጽልን ከበሮን ተሰንዮም ሽብሸባ ድሕሪ ምክያድ ከኣ፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት፡ ነቲ በዓል ዝምልከት መንፈሳዊ መዛሙርን ተዋስኦን ኣቕሪቦም።

ቀጺሎም፡ መምህር ስምኦን በየነ፡ ንታሪኽ ኣመጻጽኣ በዓል መስቀል ዝምልከት ኣስተምህሮ ድሕሪ ምሃብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ክቡር በዓል ብሓርነትን ሰላምን ከብዕል ንዘብቅዑ ሰማእታት – ‘ክብርን ሞገስን’ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስን ዓቃቤ መንበር ፓትርያርክ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስን ዝተመርሑ ሊቃውንቲ፡ ነቲ ዝቖመ ዳሜራ ብኣርባዕተ መኣዝኑ ድሕሪ ምብራኽ፡ ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ብምዃን፡ ብሽግ ወሊዖምዎ።

ተሳተፍቲ መእመናን ድማ፡ ንሓድሽ ዘመን ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

Categories