ኣብ ዓዲ-ሸረፈቶን ዓዲ-ኣገልግልን – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ብ25 መስከረም ን300 ዜጋታት መሬት ጤሳ ተዓዲሉ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ኣቶ መሓሪ ተኽለ፡ ኣብ ዓዲ-ሸረፈቶ ዘድሊ ቅጥዕታት ንዘማልኡ 26 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 147፡ ኣብ ዓዲ-ኣገልገል ድማ 40 ደቂኣንስትዮ ንዝርከባኦም 153 ዜጋታት፡ ነፍሲ-ወከፎም 270 ትርብዒት ሜተር ዝስፍሓቱ መሬት ከምእተዓደለ ሓቢሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ተኽለማርያም ገብረእየሱስ፡ ነፍሲወከፍ ዜጋ ዝተዋህቦ መሬት ብመሰረት መምርሒ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን – ኣብቲ ዝግብኦ መዓላ ጥራይ ከውዕሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ – ኣብ ዓድታት ተማጅላ፡ ዛውል፡ ገርገራን ህርጉድን እውን፡ ኣብ ቀረባ እዋን መሬት ጤሳ ክዕደል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories